ንጡፍ ማእከል ሓበሬታ ህጹጽ እዋን
ኣብ እዋን ሓደጋ ወይ ህጹጽ ኩነታት፡ ካብ ከተማ ኦስቲንን ትራቪስ ካውንቲን ብዛዕባ እቲ ንማሕበረሰብና ዝጸሉ ሓደጋን ንዓኻን ንእትፈትውዎም ሰባትን ውሑስ ንምግባር ክትወስዱ ዘለኩም ቅልጡፍ ስጉምትታትን እዋናዊ ወግዓዊ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብዚ ገጽ ተወከሱ። ኣብ እዋን ቅልውላው ብቕልጡፍ ክትረኽቦ ምእንቲ፡ ነቲ ናብዚ ገጽ ዝወስድ ሊን ምልክት ምግባር ኣብ ግምት ኣእቱ። ንኦስቲን HSEM ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እውን ክትከታተልዎ ትኽእሉ ኢኹም፤
ትዊተ - @AustinHSEM
ፈስ ቡ - @AustinHSEM
ንህጹጽ ኩነታት ሕጂ ተዳለዉ
ኣብ እዋን ዓቢ ህጹጽ ኩነታት ንነብስኻ ክትከላኸለሉ እትኽእል ዝበለጸ መገዲ፡ ቅድሚ ምፍጻሙ ነዊሕ እዋን ውጥን ድሕነት፡ ቀረብን ወሳኒ ሓበሬታ ምርካብን ምህላው እዩ። ንህጹጽ መጠንቀቕታታት ንምምዝጋብ ኣብ ReadyCentralTexas.org ተወከሱ፣ ከምኡ’ውን ንነብስኻ ኣብ መጻኢ ካብ ሓደጋታት ብዝያዳ ክትድሕንን ብቕልጡፍ ክትሓዊን ንምሕጋዝ ሎሚ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ፍለጥ።
ኣብ ግዝኣት ቴክሳስ መዝገብ ህጹጽ ሓገዝ
ኣብ መዝገብ ህጹጽ ሓገዝ ግዝኣት ቴክሳስ (STEAR) ተመዝገቡ። ንስኻ፡ ኣባል ስድራቤትካ ወይ ዓርክኻ ኣብ እዋን ህጹጽ ፍጻመ ተወሳኺ ሓገዝ ዝሓትት ሕክምናዊ ኩነታት፡ ናይ ምንቅስቓስ ድሌታት፡ ወይ ናይ ምርኻብ ድሌታት እንተሃልዩካ ንSTEAR ተመዝገብ።
ናይ ረዲ ሰንትራል ተክሳስ መተግበሪ የውርዱ
ቤት ጽሕፈት ድሕነት ሃገርን ምሕደራ ህጹጽ እዋንን ከተማ ኦስቲንን ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ህጹጽ እዋንን ትራቪስ ካውንቲን ብምትሕብባር ንህጹጽ ድልውነት ዝኸውን ሞባይል ኣፕ ኣዋፊሮም ኣለዉ።
ናይ ረዲ ሰንትራል ተክሳስ መተግበሪ አዞም ዝስዕቡ ግልጋሎት ይህብ:
- ናይ ዜና ሓድሽ ሓበሬታን መጠንቀቕታታትን
- ናይ ድልውነት ጸጋታት
- ዘድልየካ ነገራት ከምዘለካ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ ናይ ህጹጽ እዋን ውጥን መፈተሺ ዝርዝር
እዚ ኣፕ ኣብ ኣንድሮይድን ኣይኦኤስን ዝቐርብ ኮይኑ፡ ንምውራድን ንምጥቃምን ብነጻ እዩ።
ኩነታት
ሓደገኛ ኩነታት ንሰባት፡ ንብረትን እንስሳ ዘቤትን ክጸልዎም ይኽእል። ገና እንተዘይገይርካዮ ሕጂ ጥንቃቐ ግበር። አፍልጦ ኩነታት ኣየር ሃልይኩም ይጽናሕኝ፣ ዜናታት ከባቢ ተኸታተሉ።
ልዑል ሓደጋ ባርዕ ጫካ
ሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ንከባቢና መጠንቀቕታ ቀይሕ ባንዴራ ኣውጺኡ ኣሎ እዚ ማለት ኣብ ከባቢ ኦስቲንን ትራቪስን ካውንቲ ሓደጋ ባርዕ ጫካ ክህሉ ይኽእል እዩ። ወግዓዊ ናይ ህጹጽ እዋን መምርሒታት ተኸተል፣ ንቑሕ ኩን፣ ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ካብቲ ቦታ ክትወጽእ ድሉው ኩን። ኣብዚ ፍጻመ ገለ ጥንቃቐታት ንውሕስነት ንምሕላው እነሆ፤
ምስ READY(ሬድ), SET(ሴት), GO(ጎ)!: ትፋለጥ::
- READY (ረዲ ) ዝብል ኩነታት –
- ንሓድሽ ህጹጽ መምርሒታት ኣብ ወግዓዊ ምንጭታት ተኸታተሉን ውሑስ ንምግባር ብጥንቃቐ ተኸታተልዎን።
- ናይ ከባቢ ዜናን ወግዓዊ ምንጭታትን ንዝመጽእ ሓድሽ ሓበሬታ ኩነታት ኣየር ብምክትታል ሓበሬታ ምሃብ።
- ኣገደስቲ ነገራት ከም ማይ፣ ዘይበላሾ መግቢ፣ ቀረብ ቀዳማይ ረድኤት፣ ከምኡ እውን ኣገደስቲ ሰነዳት ዝሓዘ ናይ ህፁፅ እዋን ዕጥቂ ምድላው።
- ካብ ገዛኻ ኣብ ውሽጢ 30 ፊ ርሕቀት ዝኾነ ይኹን ተጋላሥጻ ንብረት ብምእላይ ኣብ ዙርያ ገዛኻ ክከላኸለሉ ዝኽእል ቦታ ምፍጣር።
- ንጎረባብትኻ ብፍላይ ድማ ነቶም ተቓላዕቲ ክኾኑ ዝኽእሉ ወይ መጓዓዝያ ዘይብሎም ሰባት ምፍታሽ።
- ካብቲ ቦታ ክትወጹ መምርሒ እንተተዋሂቡኩም ብቕልጡፍ ግበሩን ወግዓዊ ናይ ምውጻእ መንገድታት ተኸተሉን።
- SET(ሰት) ዝብል ኩነታት – ንህይወትን/ወይ ንብረትን ሓደጋ ክኸውን ዝኽእል። እቶም ንኽወጹ ተወሳኺ ግዜ ዝደልዩ ወይ ምስ እንስሳ ዘቤትን ጥሪትን ሕጂ ክወጹ ይግባእ።
- Go (ኪድ) ዝብል ኩነታት – ብህጹጽ ኣገልግሎት ዝወሃብ ናይ ምውጻእ ትእዛዝ። ትእዛዝ ምውጻእ ማለት ንህይወትካ ቅጽበታዊ ሓደጋ ኣሎ’ሞ ሕጂ’ውን ክትወጽእ ኣለካ! ንስኻን ስድራቤትካን ብሰላም ክትወጹ ንምርግጋጽ ካብ ህጹጽ ኣገልግሎታት ዝመጽእ ኩሉ ኣንፈታት ምኽታል ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።
- ኣብዚ ዝመጽእ ናይ ባርዕ ጫካ ፍጻመ ኩሉ ኣድላዪ ጥንቃቐታት ምግባርን ብውሑስነት ምጽናሕን። ምንጪታት ባርዐ ተኸላኸሉ ፤
- .ሽጋራ ብመስኮት ኣይትድርብዮ
- ብድሕሪ ናይ ጽዕነት መካይን ወይ ተጎታቲ መካይን ሰንሰለት ኣይትጎተት።
- ዝኾነ ብልጭታ ወይ ስፓርክ ዝፈጥር ንጥፈት ባርዕ ጫካ ክጅምር ይኽእል እዩ!
ንዝበለጸ ሓበረታ: https://wildfire-austin.hub.arcgis.com/
ማእከላት መዝሓሊ
ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት፡ ትካላት ቤተ-መጻሕፍትን መናፈሻታትን መዘናግዕን ኣብ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ከም መዝሓሊ ማእከል ኮይኖም የገልግሉ። ኣብ መሳለጥያታት ከተማ ናይ ኣገልግሎት እንስሳታት ይፍቀድ። ቅድሚ ምምጻእኩም ናይ ስራሕ ሰዓታት መርምሩ።
ካርታ ማእከላት መዝሓሊ
ምሉእ ስፍሓት ዘለዎ ካርታ ናይ ከተማ ኦስቲን መዝሓሊ ማእከላት ንምርኣይአብዚጥውቑ
ቁልፍታትካርታ
= ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘለዎም መሳለጥያታት ማእከል መዝሓሊ ፓርክታት
= ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ዘለዎም መሳለጥያታት ማእከል መዝሓሊ ቤተ መጻሕፍቲ
= ፓርክታት መዝሓሊ ማእከል መሳለጥያታት ምስ ዝተናውሐ ናይ ስራሕ ሰዓታት
= ናይ ቤተ መጻሕፍቲ መዝሓሊ ማእከል መሳለጥያታት ምስ ዝተናውሐ ናይ ስራሕ ሰዓታት
= እዚ ቦታ ንግዚኡ ተዓጽዩ ወይ ከም ማእከል መዝሓሊ ኣይርከብን።
ናይዚካውናቲኣቕርቦታ:
ማእከላት ማሕበረሰብ ትራቪስ ካውንቲ ኣብ ንቡር ናይ ስራሕ ሰዓታት ከም መዝሓሊ ማእከላት ኮይኖም ከገልግሉ እዮም። ቅድሚ ምምጻእኩም ሰዓታትን ስርሓትን ምፍታሽ።
ንሓበሬታ ብዛዕባ ምልላይ ምልክታት ምስ ሙቐት ዝተኣሳሰር ሕማም፡ ከምኡ’ውን ምኽርታት ድሕነት ሙቐት፡ ኣብ https://austintexas.gov/heatawareተወከሱ
ናይ መዝሓሊ ጽላል (Misting Canopies) ፓይሎት
ከም ፈተነ ፕሮጀክት፡ ከተማ ኦስቲን ንግዚኡ ኣብ ሪፓብሊክ ስኴር ፓርክ ሚስቲንግ ካኖፒን ጥርሙዝ ማይን ትህብ ኣላ። እዘን ጣብያታት ኣብዚ ቦታ ጥራሕ ካብ ሰዓት 12 - 6 p.m. ብሃገራዊ ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ዝወሃብ መጠንቀቕታ ልዕሊ ዓቐን ሙቐት ምስ ዝህሉ።
Updated 9:54 a.m. 08/28/2023